
መሰረታዊ ሓቅታትን ናይ እምነትና መርገጺናን
መንፈሳዊ ሂወት ጉዕዞ ዝጀምር ናይ የሱስ ኩሩስቶስን ከም ናይ ግሊ መድሓኒ ጌርካ ብምቅባል ክከውን እንከሎ ።እየሱስ ከም ግሊ መድሓኒ ገይርካ ምቅባል ኣብ ሂወትና እግዚኣቢሄር ንዘለዎ ዕላማን ነቲ ናይ ዘልዓለም ሂወት ንማሓዝ ማዕጾ ከፈቲ ኽኮውን እንከሎ ምድሓን ንምቅባል እምነት ቀንዲ ናይ መጀመሪያ ውሳኔና ኣድላይ ሙኩኑ ምስትውዓል ብጣዕሚ ኣድላይ ነገር እዩ ።
ናይ ድሕነት መሰርታዊ ሓቅታት ብእየሱስ ኩሩስቶስ ምእማን እዩ ።
ድሕነት ወይ ምድሓን ኣዳምን ሄዋንን ዝነብሩሉ ካብ ዝነበሩ መጽሓፍ ቁዱስ ገነት ኢሉ ካብ ዝጽዎዖ ኣብቲ ፍጹም ካብ ዝኮነ ዓለም ውሽጢ ብምሳሌ ኣግዚኣቢሄር ዝተፈጠረ ወዲ ሰብ ምስኡ ሓቢሩ ንምስራሕን ሙሉእ ዝኮነ ርኽብን ሕብረትን ኣብቲ ዝነበሩዎ ቦታ ጸኒዕካ ምንባር ዘኽእል እግዚኣቢሄር ኣዳም ዝሀቦ ትእዛዝ ወድሰብ (ኣዳም) ብዘይ ምእዛዙ ምኽንያት ዝመጸ ውድቀት ወይ ከኣ ምስ እግዚኣቢሄር ዝነበሮ ሕብረት ምፍልላይ እግዚኣቢሄር ዳግም ርኽብ ምስ ወድሰብ ዝነበሮ ሕብረት ንምሕዳስ ዝተጠቀመሉ መንገዲ እዩ ።ዘፍ1፡3 የንብቡ ።
ምንም እዃ ኣዳም ብዘይ ምእዛዙ ውጺቱ ሞት ከም ዘስዕበሉ እንተተነገሮ(ዘፍ1፡15-17) ንእግዚኣቢሄር ብዘይ ምእዛዙ ሞት ናብ ሂወቱ ከም ዝዓደመን ከሙኡ ውን ሞት ከም ሰንሰለት ናብ ርእሱን ናብቶም ዝወለዶም ቆልዑት ስልጣን ረኪቡ ካብ ኡውን ናብ ኩሉ ወድሰብ ኽመሓላለፍ ንሪኦ። ''ሮሜ 5፡12 ስለዚ ሓጢያት ብሓደ ሰብ ናብ ዓለም ኣትዩ ፡ ብሓጢያት ድማ ሞት ከምኡ ውን ኩሎም ሓጢያት ስለዝገበሩ ሞት ንኩሉ ሰብ በጺሑ።''
እየሱስ ኩሩስቶስ ጎይታ እዩ ።
እቲ ፍቅሪ ዝኮነ እግዚኣቢሄር ንወድሰብ ስቅ ኢሉ ብዘይ ተስፋ ከይሓድጎ ዳግም ንምብጃው ፕላን ምድላው ኣድለዮ ፡ እዚ ትግበራ እዚይ ናይ ድሕነት መንገዲ ኢልና ንጽዎዖ።
ናይ ድሕናት መንገዲ ወድሰብ ዝተሰዓረሉ ሓጢያትን ሞትን ብምስዓር እግዚኣቢሄር ንሰብ ንርእሱ ኽብሪ መሊሱ ንምቅራብ ዝወሰዶ ስጉምቲ ክከውን እንከሎ። ። በዚ ትግበሩኡ ንወድሰብ ምስኡ ኽፈላለ ዝገበሮ ናይ ሓጢያት ደሞዝ ዝኮነ ናይሞት ዋጋ ብምኽፋል ወድሰብ ካብ ሓጢያቱ ይቅሪታ ንኽረኽብ ብምግባር እግዚኣቢሄር ንወድሰብ ምስ ሪእሱ ዘታዓረቀሉ ዓብይ ጥበቡ እዩ ።እዚ ኩነት ብወድሰብ ፈጺሙ ዘይካኣል ብሙኳኑ እግዚኣቢሄር ሓደ ወዱ ብምልኣኽ ከምዝፈጸሞ ከምኡውን እግዚኣቢሄር ንወድ ሰብ ዓብይ ፍቅሩ የረዳኣና።ዮሀ3፡16 -17።
ከምኡውን እዚ ኩነት ካባና ጻዕሪን ኽእለትን ዘይኮነስ ብናይ እግዚኣቢሄር ምሕረትን ኽእለትን ከምዝተገበረልናን ንሕነውን ካብ ጸጉኡ ዝተልዕለ እየሱስ ካብ ዝከፈሎ ዋጋ ብምእማንን ንሱ ከም ናይ ግሊ መድሓኒና ገይርና ብምእማና ጥርሕ ዝርከብ ምድሓን ከምዝኮነ መጽሓፍ ቁዱስ ብግልጺ የርደኣና ።ሮሜ 5፡7-11
''ሮሜ፦ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።''
መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣቢሄር ቃል እዩ ።
መጽሓፍ ቁዱስ ኣብ እግዚኣቢሄር ዝነበረ ናይ ሕጅን ናይ ዝመጽእን ናይ ባዕሉ ድሌት ንወድሰብ (ንግልና ንቤተሰብና ንቤተኽርስትያናን ንምድር ) ዘለዎ ድሌት ፣ፕላን ኣብ ውሽጢ ዘመናት ዝገለጾን ዝግለጸሉን ዘሎ ብመንፈስ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ እዩ ።2ይጢም3፡16 እቲ ናይ እግዚኣቢሄር ሰብ ፍጹምን ንሰናይ ስራሕ ዝተዳለወ ንኽከውን መንፈስ እግዚኣቢሄር ዘለዎ መጽሓፍ ኩሉ ንትምህርትን ተግሳጽን ልቢ ንምቅናዕ ብጽድቂ ንዘሎ ምኽሪ ደጊሙ ይጠቅም ።ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ቀንዲ ዝኮነን ዘገሪምን ዝኮነ ባህሪ ምንም እኳ ንምጽሓፍ 40 ዝኮኑ ዝተፈላለዮ ጸሓፍቲ ካብ 1800 ዓመታት ግዜ ንላዕሊ ወሲዱ እንተተፈጸመ ፍጹም ነንሕድሕዱ ዘይጋጮ ሙኳኑ እዩ ። መጽሃፍ ቁዱስ ሓዱሽ ኪዳንን ቡሉ ኪዳንን ብምባል ኣብኽልተ ዝተከፈለ መጽሓፍ ኽከውን እንከሎ እየሱስ ኩሩስቶስ ቅድሚ ምምጹኡ ኣግዚኣቢሄር ምስ ደቂ ሰባት ዝነበረ ርኽብ ዝሓዘ 39 መጽሃፍቲ ቡሉይ ኪዳን ኢልና ክንጽውዖ እንከለና ፡ እየሱስ ናብ ዚ ምድር ምስመጸን ድሕሪ ሞዕራጉን ዘሎ 27 መጽሓፍ ድማ ሓዱሽ ኪዳን ብምባል ንጽዎዖ ። እዝይ ብጠቅላላ 66 መጽሓፍቲ ዝሓዘ ሙኳኑ የርዳኣና ።
መጽሓፍ ቁዱስ ካብ ዝፍለጠሉ ባህሪታቱ ብውሕድ እግዚኣቢሄር ብዕሉ ብስልጣን ኣነ ብምባል ዝዛረበሉ ባህሪኡ ዝገለጸሉ ንወድሰብ ዘለዎ ዓላማን ቃልኪዳንን ከምእውን ተስፍኡ ዝገለጸሉ መጽሓፍ እዩ ።ከምኡውን ኣብ ውሽጡ ታሪካትን ፣ፍልስፍናን ቅኔታትን ፣ትንቢታት ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ ።
ኣድላይነት ጥምቀት ፡
ናይ ማይ ጥምቀት ንእግዚኣቢሄር ናይ ምእዛዝና ምልኽት ክከውን እንከሎ ኣብ ሓደ ኣማኒ ሂወት ውሽጢ ትኽኽል ዝኮነ ናይ ውሽጢ ለውጢ ምኪያዱ ንምግላጽ እንገብሮ ትግበራ እዩ ።እዚ ድማ እየሱስ ኣብ ልዕሊምድሪ ብምሳሌ ዝተመላለሶ ናይ ሂወት ልኽዕ ንምንባር ዘለና ውሳኔን ቆራጽነትን የሪኢየና ።
''ሮሜ 6፦4 እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።5 ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና። 6-7እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። ናይ ጥምቀት ኣድላይነት እየሱስ ንርእሱ በምጥማቁ ዘርእየና ኽኮውን እንክሎ እዚ ዓለም ለቂቁ ቅድሚ ምካዱ ኩሉ ሰብ ከም ግሊ መድሓኒኡ ገይሩ ድሕሪ ምእማኑ እዚይ ስርዓት ንኽገብሩ ትእዛዝ ምሀቡ እዚይ ስርዓት ዓብይ ዝኮነ መንፈሳዊ ኽብደት ዘለዎ ኣብ ኣመንቲ ኽግበር ዝግበኦ ሙኳኑ ኣመልካቲ እዩ ።
የመንፈስ ቁዱስ ጥምቀት ፣
ኣመንቲ ናይ እግዚኣቢሄርን ስራሕ ብትግሀት ንኽሰርሑ ናይ መንፈስ ቁዱስ ጥምቀት ኣድላይ ከምዝኮነ መጽሃፍ ቁዱስና ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ተገሊጹ ብፍላይ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 1፦8 መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ብምባል ናይ መንፈስ ቁዱስ ጥምቀት ኣብ ልዕሊ ሂወቶም ንኣገልግሎቶም ዓቢይ ሓይሊ ከምዝህበኩም ገሊጽሎም ኔሩ ።እዚ ድማ ድሕሪ ኣብ ዝነበሮም ምንቅስቃስ ብግልጺ ዝተራእየ ኽከውን እንከሎ ናይ መንፈስ ቁዱስ ሓይሊ ምቅባሎም ቃሉውን ብዓሚቁ ምርዳእን ብግልጺ ኽዛረቡን ብድፍረት ንካልኦት ንኽምስኽሩ ኣኽኢልዎም ።
ከምኡውን ናይ መንፈስ ቁዱስ ጥምቀት ንኣመንቲ ናይ መንፈስ ቁዱስ ህያባት ንምቅባል ማዕጾ ከፍቲ ሙኳኑ እዚኣቶም ህያባት እግዚኣቢሄር ቤተኽሪስትያን ናብ ምል ኣት ንምምጻእን ንምህናጽን ከምዝጠቅሙ ሙኳኖም ምርዳእ ኣመንቲ ኽንጸምኦምን ድሕሪ ምስ ተቀበልናዮምን ደጊምና ኣካሉ ዝኮነት ቤትክርስትያን ውሽጢ ብግቡእ ኽንጥቀመሎም ይግባእ ። ብፍላይ ሕጂ ዛኣተናዮ ናይ ዘመን መጨርሽታ ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 4፡11 ዝተገለጹ ህያባት ቤተኽርስትያን ፉሉይ ዝኮነ ኣትኩሮት ብምሀብ ኣካሉ ንፍጽምና ኽተዳሉ ይግባኣ።
ኤፌ 4፦11-13 ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሃበ።
ናይ ቤትኽርስትያን (ማሕበረሰብ ) ኣድላይነት
ቤትኽርስትያን ናይ እግዚኣቢሄር ናይ ዘልኣለም ሓሳቡ ክትከውን ከላ ቤትኽሪስትያን እቲ ህንጻ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ልቢ እግዚኣቢሄር ዘሎ ናይ ዘልኣለም ሓሳቡ ናብ ፍጻሜ ንምምጻእ ናይ ሂወት ለውጢ ንምህናጽ ኣትኩሮት ዝገበሩን ትንቢታዊ ናይ እግዚኣቢሄር ሓሳብ ናብ ፍጽሜ ንምምጻእ ዝተጸውዑ ሰባት ዝተኣካከቡላ እያ ።ማቴ16፡18 እየሱስ ውን ቤተክርስትያኔን( ንማሕበሪይ) ኽሰርሓን ናይ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን ኣብዚ ቦታ ቤተኽርስትያን ዝብል ቃል ብግሪኽ ekklesia ንሓደ ዓላማ ዝተጽወዕ ከምበባል ክከውን ከሎ እዚይ ማለት ቤተክርስትያን ብብዙሕ ኣንፈት ናይ ሂወት ተሳትፎ ዘለዎ ናይ ዝተሀነጸ ሂወት ምትእኽካብ እንበር ሀይማኖት ማሕበር ከምዘይ ኮነ የረዳኣና።
ስለዚይ ቤተኽርስትያን ናይ እግዚኣቢሄር ድሌት ብዝበለጸ ምምላእ ንኽንኽእል እግዚኣቢሄር ሕብርተሰብ ፈጢሩልና ማለት ንኽእል ።እዚይ ውን ብሕብረት እንገብሮ ሓደ ጎል ዘተኮረ ናይ ሓድነት ምንቅስቃስ ብዙሕ ፍረ ኽነፍሪን ብቀሊሉ ዓበይቲ ዓወታትን ንኽንጭብጥ የኽእል ።
''ዘሌዋውያን 26፡8 ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ ይሰጒዎም፡ ሚእቲ ካባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ ይሰጒዎም፡ ጸላእትኹም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ።'' እዚ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ኽፍሊዘሪኢየና ከም ግለ ሰብ ምስቲ ህብረትሰብ ብሃደ ዓላማ ኽንወሀሀድ እንከለና ተኣምርታዊ ብዝኮነ መንገዲ ምህርትን ( ፍሪታትን) ከምዝውስኽ እዩ።
ስለዚ ከም ግለሰብ እንገብሮ ምንቅስቅስ ዓላማ ኩሉ ንህብረትሰብ ዕቤት ኽኮውን ይግባእ ማለት እዩ ።ብተወሳኪ እዚ ሓቂ ኣነ ብግለይ ዝገብሮ ምንቅስቃስ ጠቃምነቱ ንሙልእ ኣካለይ (ነቲ ሕብርተሰብ ) ኣድላይ ብዝኮነ ነገር ኽኮውን ይግባእ ።ናብ ዝብል ሪኤት ይወስደና ።
ማቴ 18፡ 19-20 ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። ኣብ ልዕሊ ከም ዝረኣናዮ ከምዚ ዓይነት ሓድነት ምንባሩ እግዚኣቢሄር ስሌና መደባቱ ከንቀሳቅስ ከምዘኽእሎ ብግልጺ የረደኣና ።ከምኡውን ኣብዚ ቦታ ምስምማዕ (Agree)ዝብል ቃል ብእንግልሽ ትርጉሙ symphony(ሲምፓኒይ)ማለት ሃደ ውጺት ንምምጽእ ብሓድነት ዝግበር ናይ ሕድሕድና ናይ ግልና ምንቅስቃስ ማለት ሙኳኑ ናብ ሓደ ዓላማ ዘተኮር ከምዚይ ዓይነት ሓድነት መሰረት ሓድነት ነቲ ንገብሮ ስጉምቲ ካብ ተፈጥሮ ግምት ንላዕሊ ዝኮነ በርትዕ ፉሉይ ኽእለት ዘገርም ውጺት ከምዝህበነ ዘረዳኣና ኽፍሊ እዩ ።
ናይ ተሀድሶ ኣድላይነት ፡
ተሀድሶ ዝብል ቃል ብግልጺ ኣብ መጽሃፍ ቁዱስና እንረኽበሉ ሓደ ቦታ እንተሎ ኣብ እብ 9፡10 ዘሎ እግዚኣቢሄር ናብ ናይ ዘልኣላለም ሓስቡ ኽግስግስ ኣብ ጉዕዞ ውሽጢ ደረጃ ብደረጃ ሪኣሱን ሓስቡን ዝገልጸሉ ናይ ሰማይ ሓቂ ስጉምቲ ከምዝኮነ መጽሃፍ ቁዱስና ከነ ታሪኽ የረደኣና ።
''እብ9፡10 ፈታኒት ድንኳን ኣብዚ ገና ደው ኢላ ኣላ ናብ ቅድስቲ ዝወስድ (ሕዱሽ)መንገዲ ገና ከምዘይተገለጸ መንፈስ ቁዱስ ያሳያል ።9-10 እዝይ ነዚ ሕጂ ግዜ ምሳሌ እዩ ።እዚኣቶም መባእን መስዋእትን ይቀርቡ እዚኣቶም ኽሳብ ምሕዳስ ዘመን ዝከውን ዝተቀመጡ ስለ ምግብን መስተን ስለ ዝተፈላለዩ ምሕጻብን ዝኮኑ ናይ ስጋ ስርዓት ጥራሕ እዮም ።እቲ ዝምለክን ብሕልና ፍጹም ኽገብሩዎ ኣይኽእሉን ። ከምኡ ውን ኣብ ሓዋ 3፡21 እግዚኣቢሄር ካብ ቀደም ጀሚሩ ብቅዱሳን ነቢያቱ ኣፍ ዝተዛረቦ ነገር ኩሉ ኽሳብ ዝሕደሰሉ ዘመን ሰማይ ኽቅበሎ ይግቦኦ ።ብምባል ኽሩስቶስ ተመሊሱ ኽሳብ ዝመጽእ ተሀዱሶ ቀጻሊ ሙኳኑ የሪኤና ።
ተሀዱሶ ዝብል ቃል ብግሪኽ diorthosis(ዲዮርቶሲስ)ማለት ኽኮን እንከሎ ትርጉሙ ሓደ ነገር ብቀጻልነት ኽቃናዕ ከም ኡውን ሓደ ነገር ናብቲ ቀደም ዝተፈጠርሉን ትኽኽል ቦቱኡ ምምላስ ቀት ምባል ኩነት ወይ ቦቱኡ ዝለቀቀ ዝተሰበረ ወይ ዝተጣመመ ዓጽሚ ናብ ቦቱኡ ናብ ምምላስ የሪኢየና ።
በእንግሊዘኛ ኦሪቶፔዲክ ዝብል ቃል ኽሕዝ እንተሎ ቃሉ ናይ ሕኽምና በዓልማያታት ዓጽምን ጅማውቲ ንምቅናዕ ዝገብርዎ ናይ መጽናዕቲ ኽፍሊ ይጥቀሙሉ ። Orthopaideia ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ናይ ኽልተ ቃል ጥምረት ኮይኑ ኦርቶ ምቅናዕ ኮይኑ ፕያዳያ ከኣ ህጻናት ሙሉእ ብሙልእ ክሳብ ዝዓቢዩ ምንኽብካብ የሪኢ።ስለዚይ ተሀድሶ ናይ ድሕንነት ምልኣት ቀንዲ ኽፍሊ እዩ ።ማለት ንኽእል ።
ድሕነት ብናይ ተሓድሶ ቋንቋ ሂወት ምኽፋል ፣ ብሓድነት ጎይታ ምምላኽ ብኩሉ ኣንፈት ንሂወት መለኮታዊ ምሪሒት ንምቅባል ብኩሉ ናይ ሂወት ኣንፈት ዝግበር ናይ ነጻነት ጉዕዞ ፣ጸጋ ምኽፋል ማለት ክከውን ከሎ ኣመንቲ ናብዚ ናይ ብስለት ምልኣት ንኽመጹ ተሀድሶ ብጣዕሚ ኣድላይን ቁልፊ ሓቅ እዩ ። ተሀድሶ ካብ ግሊ ግዕዞ ሓሊፉ ኣብ ማሕበር ኽትርጎም ከሎ ገጽ ምጭምዳድ ዘይብላ ኣዚያ ምልኽዕቲ ቤተኽርስትያን ንኩሩስቶስ ንምቅራብ ዓቢይ ኣስተዋጸኦ ዝዓይይ ኽኮውን እንከሎ ኣብ ውጺት ቤተኽርስትያን በማተርያላዊ ዘመልእት ዓለማዊ ኣራኣእያ ቀስ እንዳበለ ናብ ቤተኽሪስትያን ዘኣተወሉ ናይ ጸላኢ ፍልስፍና ብምስዓር መተካእቱኡ ኣብ ኢሳ60፡1ን ኣብ 2 ዝተኣተወላ ቃል ፍጻሜ ንከረክብ ዓብይ ግደ ኣለዎ ።
'' ኢሳ60፦ 1 ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ። 2 እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ። 3 ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም። ''