ለዋውያን መንግስቲ ማእከል ትሕዝቶታትናን ሽቶታትናን
ትሕዝቶታትና(Our core values)
እዋናዊ ናይ እግዚኣቢሄር ሓቅታት (Present-Truth) በመንገዲ ሃዋሪያዊ ተልእኮን ማሕበረሰብን ናይ ኢየሱሱ ስም፡ማንነት፡ባህሪኡን ቃሉን ልዕል ንምባልን ሕጂ ኣብዘላትሉ ቤተክረስትያን ኩሉንትናዊ ለውጢ ምምጻእ ንዝካሎ ናይ ትሃድሶ ተግባር ብምክንዋን ሓድሽ መሎኮታዊ ድፍረትን ብቅዓትን ዝለበሰት ናይ እግዚኣቢሄር ፍቃድን ሓሳብን ክሳብ ፍጻሜ ምብጻሕ እትክእል ቤተክርስትያን ምድላውን ምህናጽን እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ናይ ቤተክርስትያን ኣባል ብእግዚኣቢሄር ቃል ብዝተገለጾ መስረት ናቲ እግዚኣቢሄር መንግስቲ ዝጥይቆ ናይ ሂወት ኣካይዳ(Life stayle) ከተግበር ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ተግባራዊ ንምግባር ካብ ፍልጠትን ምርዳእን ከሙኡ ውን ብቃል ካብ ምዝራብ ዝሓለፈ ብትክክል ቢሂወት ሙጉዓዝን ብምንባር ዝግለጽ ስብእና ትጽቢት ይግበረሉ። ኩሎም ኣባላት ሕጂ ካብ ዘሎዎ ናይ ግሊ ናይ ሂወት ኣቃም (ባህሪኡ፡ ኣተሓሳስቡኡ ፡ርእየቱን_ውዘተ)ልዕል ዝበለ ናይ እግዚኣቢሄር መንግስቲ ትሕዝቶታት (kingdom Values) ንምስግጋር ንዝሓቶ ናይ ለውጢ መስርሕ ተግበራዊ ምግባር ትጽቢት ይግበረሉ ። እዚ ናይ ምልዋጥ ተበግሶ(Transformation process) ተግባራዊ ዝገብር ዋና መንገዲ ናይ ርእስካ ድሌት፡ ንግላዊ ሓሳብን ምድልይ ብሙማት ናይ ሂወት መስርሕ ኢዩ።Process of death to self desire and personal ambition)
ኣምልኮን ጸሎትን ናይ እግዚኣቢሄር ቃል ምንባብን ምጽናዕን ዋና ናይ ሂወት ምንነትና ኢዮም።
ናይ ኣምልኮ ጅማሬ ቃሉ ኣብ ሂወትና ምስዝግለጽ ኢዩ! ኣምልኮ ብዝተዋሃበና ሂወት ማንነት (unresrved and full commited life style) ልዕል ዝበለ ናይ እግዚኣቢሄር ህላውነት ዝዕድም ኣከባቢና ብመንፈሳዊ ስርዓት ውሽጢ ንክከውን ዝቃኒ ኢዩ።ኣብ ግልና ኮነ ብሕብረት እንገብሮ ጸሎት ውሽጣዊ ባህሪኡ ምግዛእ ዝተመለአ ምስዝኮውን እቲ ጸሎት ናይ እግዚኣቢሄር ፍቃድን ሓስቡን ብዘይ ምክልካል ብሓይልን ብብርተዐ ኣብ ምድሪ ኩሉ ንክግበር ዝግበር ኢዩ። ናይ እግዚኣቢሄር ቃል ኣብ ውሽጢ ኩሉ ኩነታት ልዕልና ዘለዎ ዘይልወጥ ዝሰርሕ ናይ ሂወት መራሒን ናይ እምነት መሰረትና ከምዝኮነ ንኣምን ኢና።
እንቅስቃሴ ዘይቡሉ ናይ ርእስካ መደባትን ኣስራርሓ ዝተትሓዙ ሃይማነታዊ ስርዓት ብምውጻእን ብምርሓቅ ናይ እግዚኣቢሄር ናይ ዘልአለም መደባትን ሓሳብትን ተግባራዊ ንምግባር ናብ ዘክእለና ጉዑዞ ብምፍሳስ ልዕል ናብ ዝበለ እዋናዊ እግዚኣቢሄር ክንበጽሖ ናብ ዝደሊዮ ናይ ሂወት ኣሰራርሓ ኣቅዋም ናይ ምክታልን ናይ ምትግባር ኣመላክክታን ኣተሓሳስባ ምህናጽ ካብኩሉ ኣባል ትጽቢት ዝግበረሉ ኢዩ።እየሱስ ክርስቶስ ርእሱ ኣትሕት ኣቢሊ ናይ እግዚኣብሄር ፍቃድን ሓሳብን ከመዘገልገለ ፡ ክሉ ኣባል እዚ ናይ ክርስቶስ መሳሌነት ኣብ ተግባር በምግባር ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብን ፍቃድን በምሉእ ልቡ ፍቃደኛ በመካን ምግልጋል ይጽበዮ ።
እግዚኣቢሄር ኣብ ፣ ውልድ ፣ መንፈስ ቁዱስ ብስሉሳዊ ዝግለጽ ኣምላክ እንትኮን ንሕና ብእግዚኣቢሄር ተምሳል ብምፍጣርና ነንሕድ ሕድና ብምትሕብባር ብምድግጋፍ ትክክለኛ ዝኮነ ማሕበረሰብ (community) ምህናጽ ትጽቢት ይግበረልና። ትክክለኛ ዕቤት ዝኮነሉ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ትጽቢት ዝግበረሉ ዝኮነ ነገር ብትግሃት ብፍቅሪ ንካልእ ኣባል ንኩሉ ኣካል ኣስተዋጾኦ ምስዝገብር ኢዩ ስለዚ ሂወት ምክፋል ካብ ኩሉ ኣባል ትጽቢት ዝግበረሉ ሓደን ዋናን ኣድላይ ናይ ህወት ኣካይዳ ኢዩ።
ናይ ሌዋውያን መንግስቲ ማእከል ካብ ስዊዘርላንድን ካቡኡ ዝሓለፈ ተላእኮ ብሃውሪያዊ መምሪሒ ናይ ትሓድሶ ስራሕ ኣብ ቤተክረስትያን ውሽጢ ተግባራዊ ንምግባር ካብ እግዚኣቢሄር ዝተቀቦሎ ስራሕ ቡሙካኑ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ነዚ ክገብር ዝክእል ማንነት ንክሃንጽ ትጽቢት ይግበረሉ።እዚ ማንነት ፍጹም ብዝተወፈየ ናይ ሂወት ኣካይዳ ብእግዚኣቢሄር ናይ ዘመን ፍጻሜ ኣገዛዝኣ ናይ ተሃድሶ ሓቂ ዝእውጅን ውስንነት ካብ ዘለዎ ጸቢብ ኣመላካክታ ብምውጻእ ዓለምለከ ብዝኮነ ናይ እግዚኣቢሄር ኣመልካክታ፡ ጸረ ናይ እግዚኣቢሄር መንግስቲ ዝኮነ ናይዚ ዓለም ኣስራርሓ መዋቅር ንምፍራስ ዓቢ ኣስተዋጾ ዝገበር።
ዋና ዋና ሽቶታትና(Our primary Objectieves)
ብእግዚኣቢሄር ፍቃድን ሓሳብን ብበርተዕ ምስረት ዝህነጽን ዝትግበርን መጽሓፍ ቁዱሳዊ ኣመራርሓ እውን ዝገበር ናይ እግዚኣቢሄር መንግስቲ ማሕበረሰብ (kingdom community) ምድላውን ምስራሕን።ናይ ቤተክርስትያን መሰረት ዝኮኑ ናይ ሃዋሪያትን ናይ ነቢያት ኣገልግሎት መንግስቲ ትውህብቱ ብምቅባል ንክሰርሑ ካሎኦት ኣገልገልቲ(ወንጌላዊ፡መጋቢ መማህራን) ኣስራርሓ ተግባራዊ ብምግባር ብስለትን ጥንካረን (maturity and strength) ዝለበሰ ማሕበረሰብ ምህናጽ።ናይ ኢየሱስ ኩሩስቶስ ባህሪን ማንነትን ብምውራስ ናይ ትንቢት፡ መልኮታዊ ፈውሲ፡ ተኣምራትን ናይ መንፈስ ቁዱስ ውህብቶታት ዝሰርሕሉ ናይ ነፍሲ መከፍ ቤተሰብን ኣባልን፡ብእየሱስ ኩሩስቶስ ጸጋን ሓይልን ሓቀኛ ናይ ሂወት ለውጢ ማንነት ንክነብሮ ምትጋህ። ናይ ሌዋውያን መንግስቲ ማእከል ሓቀኛን ትክክል ናይ ሂወትና ናይ ኣሰራርሓ ኣካይዳ ብምስራሕን እንዳሃነጽና ንካሎኦት ማሕበረሰብ (kingdom community) ኣራያ ሙካን ዘክእል ማነነትን ኣሰራርሓ ምህናጽ ኢዩ።