top of page


ናይ ሌዋውያን መንግስት ማእከል ብዋና መራሒ ( senior elder ) ብበረከት ረታን ብተሓጋጋዚ መራሒ (associate elder) መብራህቱ ገብረእግዚአብሄርን ዝምራሕ ፥ ከም ናይ አውሮፓውያን አቆጻጽራ ካብ 1999 ጀሚሩ ኣብ ሰንጋለን ከተማ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኮይኑ ፥ ብኮንግረስ WBN ዓለምለከ ናይ መረብ ኣሰራርሓ ውሽጢ ብፕረዝደንት ዶክተር ኖኤል ውድሩፍ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃዋርያዊ ጸጋ ዝምራሕ ዓለምለከ ናይ መረብ ኣሰራርሓ ኣካልን ኮር ዝኮነ ሕብረተሰብን እዩ።
እዚ ማሕበረሰብ (ቤተክርስትያን) ብፍላይ ሕጂ ዘለናዮ ወቅቲ ናይ ክርስቶስ ኣካል ንዘመን ፍጻሜ ብትገብሮ ናይ መጨረሽታ ጉዕዞ ፥ ጸራጊ መንገዲ ዝኮነ ሃዋርያዊ ጸጋ ብምእዋጅ ን ትንቢታዊ ናይ እግዚኣብሄር ሓሳብ ንምፍጻም ዘክእል ሃዋርያዊ ትውልዲ ኣብ ምፍራይ ዘሎ ሕብረተሰብ ክከውን ከሎ ንግዚኡ ኣብ ምዕራብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝሓቆፈ ዓለምለከ ኣረኣእያ ዘለዎ ሕብረተሰብ (ቤተክርስትያን) እዩ።
ናይ ሌዋውያን መንግስት ማእከል ኣብ ውሽጡ ዝተፈላለየ ቅርጺ ዝሓዘ ደረጅኡ ብዝሓለወ ኣመራርሓ ዝታዓጀበ ክከውን ከሎ
ብደቂ ተባዓትዮ፥ብደቂኣንስትዮ፥ብመናእሰያት ፥ብህጻናት ፥ ብትምህርቲ ፥ ብርክባት ?፥ብጸሎት ፥ ብፕሮቶኮል፥ ብምሕደራ ዝማሬ ፥ ብስፖርትን ብዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ንሕብረተሰቡን ንካልኦትን ኣገልግሎት ይህብ።
ናብ መጨረሽታ ዘመን እናተጸጋዕና ክንከይድ ከለና ኣብ ውሽጢ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ዘልኣለም ሓሳብ ዝተሰወረ ሕጂ እግዚኣብሄር ቤተክርስትያን ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም፡ጥበቡ ንቤተክርስትያን እናፈነወ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሃዋርያዊ ጸጋ ናይ ሂወት ምህናጽ ቀዳምነት ዝውሃቦ ምኳኑ ብምርዳእ ናይ ሌዋውያን መንግስት ማእከል ትክክለኛታት ዝኮኑ ናይ እግዚኣብሄር መንግስቲ ዜጋታት (ደቂ ተባዓትዮ፥ደቂኣንስትዮ፥ ቤተሰብ ፥መናእሰያትን ፥ህጻናትን )ንምፍራይ ኣብ ውሽጢ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ዝተቀበሩ ሓቅታት ፈቲሽካ ብምርካብ ከምኡውን ናይ እግዚኣብሄር መንግስቲ ዜጋታት ናብ ዝተጸውዕሉ ናይ ሂወት መለክዒ ንምብጻሕ ጠንኪሩ ? ኣብ ስራሕ ይርከብ ።
ከምኡውን ናይ ጸልማት ኣሰራርሓ እናወሰከ ኣብ ዘለወሉን ንኣካል ክርስቶስ ከማን ከይተረፈ ብክፋእ ዝተገለጸ ናይ ገጽ ዕጣር ንምእላይ ናይ ሃዋርያዊ ተሃድሶ መልእክቲ ብምእዋጅ ን ብምምሃርን ቤተክርስትያን ኣቀዲሙ ናብ ዝተሓሰበላን ናብቲ ቀዳሞት ናይ እምነት ኣቦታትና ዝተጓዓዝሉ ሓቂ ንምምላስ ዘክእለና ኣብ አእዋኑ ኣብ ውሽጢ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ዝግለጹን ብ ናይ እግዚኣብሄር መንግስቲ ትሕዝቶ ብምንባርን ብምእዋጅ ቤተክርስትያንን ብቀጻልነት ጽባቀ ንምልባስን ናብ ፍጻሜ ንምድላው ተጊህካ ምስራሕ ሓደ ዋና ናይ ሌዋውያን መንግስቲ ማእከል መግለጺ ናይ ምንቅስቃስ ባህሪ እዩ።
ኣትኹሮት እንህቦም ሓቅታት ።
ናይ እግዚኣብሄር ቃል ከይተቀነሰን ከይተበረዘን ብንጽህና ንሕብረተሰቡ ኮነ ን ኣካሉ ምፍናው ። ኣብ ውሽጢ ሙሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ርእሱ ዝገለጸሉ ( ኣብ ፥ ወልድ ፥ መንፈስ ቅዱስ ) ማንነት( ባህሪ) ን ከምኡውን ብመንፈስ ቅዱስ ጌሩ ንቤተክርስትያን ዝተዋሃቡ ውህበታት ሙሉእ ብሙሉእ ብምቅባል ምንባር፥ ምግባርን ምምሃርን።
ናይ እግዚኣብሄር ቃል ከም ዝእዝዞ ኣብ ቅድስና ሂወት ምንባር ን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መንቅብ ዘይብልካ ንምኳን ኣጥቢቅካ ምስራሕ።ሃዋርያዊ ትውልዲ ከም ምኳና መጠን ካብ ብሕታውነት ንናይ ሓባር ምትእስሳርን ሕብረትን ትግበራን ዓቢ ትኩረት ምሃብ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብናይ ክርስቶስ ጸጋን ሓይልን ሓቀኛ ናይ ሂወት ለውጢ ማንነት ብምንባር ንመሎኮታዊ ሓሳብ ብምርዳእ ብስለት ዝመልኦ ሂወት ካብ ምልባስ ዝተላዕለ ናይ ጎይታ ሓሳብ ብትክክል ናብ ምትግባር ዘክእል ናይ ሂወት መለክዒ ምምጻእ። ኣብ ሕብረት ኮነ ኣብ ዓለም ለከ ምንቅስቃሳትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዝተቀመጠ መርሖ መሰረት ኣብ ኣመራርሓ ውሽጢ ዘሎ ክልል ብቀጻልነት ብምሕላው ምንባር ።
ለዋውያን መንግስቲ ማእከል
bottom of page